Saturday, November 13, 2010

My new Book by the title "SEBAH" meaning Tomorrow is out in November 2010

To make an order please email to khabdu@gmail.com
መቅድም
“ጽባሕ”
እዚ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ሰፊሩ ዘሎ ግጥምታት፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ውድዓዊ ኩነታት ናብ ቅድሚት ብምምጻእ፡ ነቶም ብፍላጥ ኮነ ብየዋህነት ዚድግፉዎን ዚሕለቑሉን ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ከኣ ብምልላይ፡ ነቓፊ ርእይቶን ተግሳጽን ምዕዶን ዚህብ ኮይኑ ብውሕሉል ቃላት እተነድቀ መልእኽቲ ኢዩ።

እዚ ግጥምታ’ዚ፡ እተፈላለየ ኣርእስቲ ዝሓዘ ኾይኑ፡ ገለ ብኣስተንትኖኣዊ፡ ገለ ድማ ብመዘናግዒ፡ ገለ ኸኣ ብምሁራዊ መገዲ ተጻሒፉ ኣሎ።

ፍቕሪ ኣደ፡ ፍቕሪ ማሕብራዊ ናብራን ዕርክነትን፡ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን፡ ከምኡ’ውን ወድሰብ ዚጓነፎ እተፈላለየ ሽግራትን ብድሆታትን ብመልክዕ ግጥሚ ቀሪቡ ኣሎ። ከምዚ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ዘንብብ መታን ከይስልችዎ ወይ ከየድክሞ ብማለት፡ ኣብ መንጎ ወይ መጠረስታ ነፍስወከፍ ግጥሚ፡ ምስቲ ኣርእስቲ ዚሳነ ይኹን ዘይሳነ ስእልታትን ቅርጽታትን ተወሲኹዎ ኣሎ። እቲ ዘንብብ ሰብ፡ ነቲ ኣሳእል ከም ድላዩ ገይሩ ክትርጉሞ መሰሉ ኢዩ።

ግጥሚ ወይ መዝሙር፡ ናይ ሙዚቃ መሳርያ ዘየድልዮ ነፍሱ ዝኸኣለ ሙዚቃ ኢዩ። ካብ ኩሉ ዝለዓለ ግን፡ እቲ ብተምሳላትን ምሳሌታትን ዚህቦ መልእኽታት ዓቢ ኢዩ።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነጻነት፡ ባርነት ዚረኣየላ ሃገር ብምዃና፡ ኩሉ መንእሰይ ጠንጢኑዋ ንወጻኢ ይኸይድ ኣሎ። ገለን ዕድል ዝረኸበ ኣብ ቲ ዚደልዮ ሃገር ኪበጽሕ ከሎ፡ ገለን ድማ ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ኣጻምእን ዱርን ባሕርታትን ኣኽራናትን ግዳይ ጥምየትን ዕርቃንን ጽምእን ሞትን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን፡ ገለ ደም ዘይብሎም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዚቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ሽማግለታትን ኣዴታትን ነቲ ገፋዒ መንግስቲ ኪድግፉን ኪሕለቑሉን ይረኣዩ ኣለዉ። እምበኣር ሓደ ገጽታ ናይቲ ግጥሚ ድማ ነዞም ኣብ ‘መቓብር ደቆም’ ኪስዕስዑ ነውሪ ወይ ገበን ኮይኑ ዘይስምዖም ባእታታት ናብ ልቦም ዚምለሱሉ ምዕዶ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ስቓይን ስደትን፡ ኪብከየሉ ዚግባእ ህዝቢ ኢዩ። ሓደ ናይ ጓሂኻን ኣስተንትኖኻን መግለጺ ድማ ግጥሚ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብህዝቢ ኤርትራ ዘይሓዝን ሰብ እንተ ደኣ ኣሎ፡ ኤርትራውነቱ ኣጠራጣሪ ኢዩ።

ኣማኑኤል ሳህለ (ሓምለ 2010)