26 JulyEMDHR conducted a successful and colorful conference ጽንብል መመረቕታ: “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና”
The EMDHR had successfully conducted a conference in Pretoria, South Africa, on the 23 July 2006. The primary aim of the conference was to officially launch a manual on nonviolent action titled “Challenging Our Perception”. During this historic and colorful event, many Eritreans from various parts of South Africa participated. The conference was being glamorously chaired by Mr. Tesfalem Tekleab who kept the respected audience inspired through out the course of the event by consistently communicating humanely messages which include, among others,…“Let’s have an attitude and love life; life is above everything”. The conference reserved a keynote speech time to be delivered by the Chairperson of the EMDHR, Mr. Samuel Bizen. In his educational and entertaining speech, Mr. Samuel emphasized, among others, on the concept that “liberation is in the mind” and that he found the contents of the manual quite helpful to achieve this. He also expressed his gratefulness to all who participated in the realization of the project. Following the speech delivered by the Chairperson of the EMDHR, the conference presented poems in support of the theme of the conference by Minassie Tekly. Thereafter, the Civic Awareness project manager, Mr. Yoel Alem officially handed over a copy of a finished manual to the Chairperson of the EMDHR, Mr. Samuel Bizen. Representatives of the various EMDHR chapters also handed over a copy of the manual to each other as a sign of solidarity. The conference also accommodated comments forwarded from the audience. Finally, the Chairperson of the EMDHR appealed to the audiences to share the ideas and practices incorporated in the manual among fellow citizens with the aim of enriching them further. The audience was adored by T-shirts labeled with “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና [Challenging Our Perception]”
ጽንብል መመረቕታ“ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና”
ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)፡ መትከላት ዘይጎንጻዊ ቃልሲ ዝትሕዝቶኣ፡ “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ንህዝቢ ዘርጊሑ፡፡ ሰንበት 23 ሓምለ 2006 ኣብ ታሪክ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ታሪክ ኤምዲሰመ ንዘመናት እትዝከር ፍልይቲ ማዓልቲ እያ። እዛ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራዊያን ዘሳተፈት፡ ሓደ ዓመት ዝወሰደት መምሃሪት መጽሓፍ (ማንዋል) ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 150 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቡዙሓት ካብኦም መንእሰያት ኣብ ዝተሳትፍዎ ጽንብል ብክብ ዝበለ መንፈስ ንህዝቢ ተዘርጊሓ።
እዞም ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ድሮ ክውሕዙ ዝጀመሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ናብቲ ኣብ ማእከል ርእሲ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ምዕሩግ ናይ ኣኼባ ኣደራሽ ኣምርሑ፡፡ ኣዳለውቲ ናይቲ ጽንብል ብወገኖም ኣጋይሾም ንምቕባል “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” “ንመሰልና ባዕልና” ዝተጻሕፎ ማልያ ተኸዲኖም ድልዋት ኮኑ፡፡
ኣደራሽ ምስ መልአ፡ ኣኼባ ሰዓት 11፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ብወግዒ ተኸፊቱ። ኣዋሃሃዲ ትጽንብል ኣቶ ተስፋኣለም ተኽልኣብ ንዕዱማት ናይ እንቋዕ መጻእኩም ቃል ምስ ኣሰምዐ፡ ብዛዕባ እቲ ነዛ መጽሓፍ ንምድላው ዝተኻየደ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ፕሮጀክት ሕጽር ዝበለ መግለጺ ሂቡ፡፡ ኣቶ ተስፋኣለም ብዛዕባ ምድላው እታ መጽሓፍ መብሪሂኡ ክህብ እንከሎ ‘እዛ መጽሓፍ ብኣባላት ኤምዲሰመ ተማእኪላ ትዳሎ ድኣምበር ብኽትዕን ርኢቶታትን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም፡ እንተላይ ኣብ ውሸጢ ኤርትራ ዝነብሩ ጉድሳት ዜጋታት ዝተዳለወት መጽሓፍ እያ’ ድሕሪ ምባል ንገጽ ተሳተፍቲ ብሩህ ፍሽክታ ዘልብስን ልቢ ዘረስርስን ቃላት ብዛዕባ ትሕዝቶን ኣመዓባብላን “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ሕጽር ዝበለ መብርሂ ሂቡ።ቀጺሉ ድማ ነቲ ኣጋጣሚ ዝምልከት ፍልይ ዝበለ መደረ ብኣቦ መንበር ኤምዲሰመ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን ቀሪቡ፡፡ ኣቦ ወንበር ኣብ መደርኡ ጠንቂ ሽግር ወዲ ሰብ ኣተሓሳሰባኡ ምኻኑ ገሊጹ፡፡ ናይ ኤርትራውያን ሽግር’ውን ምስዚ ዝተኣሳሰር ምኻኑ ኣስሚሩሉ፡፡ ስለዚ ኤርትራውያን ነዚ ገጢሙና ዘሎ ሽግር ክንሰግሮ እንትኾንና መጀመርታ ኣተሓሳስባና ክንልውጥ ናይ ግድን እዩ፡ ክብል ንተጋባእቲ ኣብሪሁ፡፡ ኣቶ ሳሙኤል ነቲ ሕመረት ሓሳባት “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ክጾምቆ ከሎ “ናጽነት ኣብ ሓንጎል ደቂ ሰባት ዝውዳእ ነገር’ዩ” ኢሉ፡፡ ኣብ መደምደምታ ንኹሎም ነቶም ኣብ ምድላው “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ኣበርክቶ ዝገበሩ ምስጋና ድሕሪ ምብጻሕ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ድማ ከምናቱ ሪኡ ነቀፈታን ተወሳኺ ሓበሬታን ብምልጋስ ነቲ ሓሳባት ከሀብትሞን ንትሕዝቶኣ ክመያየጠሉን ተላብዩ፡፡
ብድሕሪ’ዚ ጋዜጠኛ ድምጺ መሰልና ደሊና ኣቶ ምናሴ ተኽላይ ንቴማ እቲ ጽንብልን ትሕዝቶ “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” እተንጸባርቅ “ኣሰየ፡ ኣሰና” ትብል ግጥሚ በቲ ዝምስጥ ቃንኡ ንተሳተፍቲ እቲ ጽንብል ኣንቢቡ፡ ተሳተፍቲ ብወገኖም ብዕጽፊ ጣቒዒት መሊሶምሉ፡፡ ሲዒቡ ድማ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፕሮጅክት፡ ኣቶ ዮኤል ኣለም ምድላው “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ኣብ ጊዚኡ ከምዝተዛዘመ ዘርኢ ቀዳመይቲ ቅዳሕ ንኣቦ መንበር ኤምዲሰመ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን ብስም እቲ ምንቅስቓስ ብወግዒ ኣረኪቡ፡፡
ድሕሪ’ዚ ካብ ዝተፈላለያ ጨናፍር ዝመጹ ወከልቲ ድማ ከም ምልክት ሓድነቶም ሓሓንቲ ቅዳሕ “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ተለዋዊጦም፡፡ ከምኡ’ውን ሓድነትን ተሳታፍነትን ደቂ ኣንስትዮ ዘሪኢ ክልተ ኤርትራውያን ደቀ-ኣንስትዮ ቅዳሕ ናይታ መጽሓፍ ተለዋዊጠን፡፡ ቀጺሉ ድማ “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ብወግዒ ንተሳተፍቲ ተዓዲላ፡ ቡኡ ኣቢላ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብነጻ ተዘርጊሓ።ንኻልኣይ ግዜ ገጣማይ ምናሴ ተኽላይ ንምዝርጋሕ እታ መጽሓፍ እተበስርን ኤርትራዊያን ከንብብዋን ከሀብትምዋን እትጽውዕ “ሶንሶሎማይት ብድሆ” ዘርእስታ ንሰማዕታ ዘደነቐት ግጥሚ ኣንቢቡ፡፡ ተጋባእቲ እቲ ጽንብል ድማ ክብ ዝበለ ንልቢ ሰብ ዘረስርስ ጣቂዕት ኣንጎድጊዶሞ። ስዒቡ ካብ ዝተፈላልዩ ክፍልታት ዓለም እንተላይ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተሰደ ናይ ደገፍ መልእኽታት ተነቢቡ፡፡
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ሪኢቶታቶምን ሕቶታቶምን ኣውሒዞም፡፡ እዛ መጽሓፍ እንታይ እያ እትብል? ነየናይ ዓይነት ኣተሓሳስባና ኢና ክንብድህ? ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ቀሪቦም? ሰፋሕቲ መብሪሂታት ብኣቶ ሳሙኤልን ኣቶ ተስፋኣለምን ተዋሂቦም፡፡ ኣቶ ተሰፋኣለም ንትሕዝቶን መልእኽትን “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ብሓጺሩ ክገልጽ ከሎ “ናጻ ፍጡራት ኢና እሞ፡ ንሂወት ልዕሊ ዝኾነ ነፍቅራ” ኢሉ ንመድረክ ርኢቶን ሕቶን ልቦና ብዝመልኦ ልዙብ ዘረባ ዛዚምዎ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ እቲ ጽንብል ብዓወት ተዛዚሙ፡ ኩሎም ዕዱማት ድማ ናብቲ ዝተዳለወሎም ናይ ምሳሕ ግብጃ ተሳጋጊሮም፡ ተፋሊጦም፡ ነናብ ቦትኦም ተመሊሶም፡፡
No comments:
Post a Comment