Sunday, October 22, 2006

ኩቡራት በጻሕቲ መርበብ ሓበሬታ ኣድማስ !

ከምዝፍለጥ ሎሚ ኤርትራ እታ እንኮ ነጻ ፕረስ ዘይብላ ኣፍሪቃዊት ሃገርን እታ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታታ መዳርግቲ ዘይብላ ሃገር ኮይና ኣላ: እዚ ኹሉ ዝኸውን ዘሎ ኸኣ ብጎልባብ ሃገራዊ ጸጥታን ልዑላውነት ምዕቃብን ብዝብል ምስምስ ናይ ስልጣን ጌዚኻ ንምንዋሕ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ሓሸውየ እዩ::

ጋዜጣ ኣድማስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተነፊጉ ዘሎ መሰረታዊ መሰላት ናብ ህዝቢ ንኽምለስን እቶም ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኮይኖም ፈቐዶ ጎዳጉዲ ዝበልዩ ዘለው ዜጋታት ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ስቓይ ነጻ ክሳብ ዝኾኑን ህዝብና ሓርነቱ ክሳብ ዝረክብን: ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣባላት ምድላው ኣድማስ ዘካይድዎ ዘለው ኩሉንተናዊ ቃልሲ ኣብ መስርሕ ምዝርጋሕ ሓበሬታ እውን ነቲ ንነዊሕ ጌዚ ብኻልእ እዋናዊን መድረኻውን ንጥፈታት ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ኣበርክቶኦም ብዝተዓጻጸፈ ናህሪ ክሰርሓሉ ምኻኖም ቃል ብምእታው ተሳትፎ ናይ ኩሉ በጻሓይ ከኣ ይምሕጸኑ::

ምድላው ኣድማስ

No comments: