Tuesday, June 13, 2006

ሓጺር ዜና

ከምቲ ኣብ መርበብ ኢንተርነታት ክሕበር ዝቐነየ ትማሊ ቀዳም 10 ሰነ 2006 ዓ.ም ኣብ ከተማ Göteborg /ዮተቦሪ/ በቲ ብጉዱሳት ኤርትራውያን ዝተጸወዐ ኣገዳሲ ኣኸባ ብዓወት ተሰላሲሉ ።
እቲ ኣኸባ ካብ ሰዓት 3 ክሳብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ኣስታት ናይ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ኮይኑ ዝተዛረበሎም ኣጀንዳታት፡-
1፡- ህሉው ኩነታት ሃገርን፤ ብዛዕባ ሓደስቲ ሓተቲ ዕቑባን ኩነታቶምን
2፡- ሕብረተ ሰብን ትርጉም ስቪካዊ/በርገሳዊ/ ማሕበርን፡ ምቛም በርገስዊ ማሕበርን ጠቕሙን

ኣብዚ ኣብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ብጋዜጠኛ ሓው ኻልድ ዓብዱ ኩነታት ሃገርን፡ ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባን ክኽተልዎ ዘሎዎም ኣገባብን ሰፊሕ ሓበሬታ ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተሞኩሮ ናይ ማሕበር ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገር ሽወደን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ኣብቲ ካልኣይ ኣጀንዳ ንዝምልከት ድማ ሓው ግንቦት ኣብርሃ፡ ብዛዕባ ስቪክ ማሕበርን ትርጉሙን ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ድማ ብዛዕባ በርገሳዊ ማሕበርን ኣገዳስነቱን ሰፊሕ ሓበረታን ዓሚቕ ኣስተምህሮን ኣቕሪቡ።

ድሕሪ እዚ ንሕቶን መልስን ርእይቶን ናብ ገዛ ተገዲፉ፡ ኣገደስቲ ሕቶታት ቀሪቡ፡ ንሕቶታት ምስ መብርሂኡ ድማ መልሲ ተዋሂቡውም። ኮምኡ እውን ኣገደስቲ ርእይቶታት ካብ ኣኸበኛታት ቀሪቡ።
ኣብ መጨረሻ ድማ ኣብ ዮተቦሪ እውን ሓደ ሓያል በርገሳዊ ማሕበር ክህሉ ኣኸበኛ ብምልኣት ስለዝዓገበሉ ሓንቲ ቅዋም ማሕበር ነዲፋ ማሕበር ንሙቛም መዓልቲ ክትውስን ካብ ኣኸበኛታት ሓንቲ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ከም ዝተመርጸት ተሓቢሩ ኣሎ።
በዚ ድማ እቲ ኣኸባ ብዓወት ተደምዲሙ።

No comments: