Saturday, September 08, 2007

ዘበነ ዓገብ

Friday, 07 September 2007

ዘበነ ዓገብ

ዘበነ ዓገብ ዶ በጺሕካ
ትማሊ ዓገብ ዝበሉኻ ዊሒጥካ
ብትዕቢት ትምክሕቲ ከምዘይተዛረብካ
ዝናዓቕካዮ ህዝቢ ሓገዙ ኣድልዩካ
ኣበይ እሞ ሕጂ ከድሕነካ
ጭራ ነብሪ እንዲኻ ዓትዒትካ
ጫማ ኣግፊሕካ ጠፊኡካ ዕቅንካ
ኣተርክሶ ጭሕምኻ ተማሃር ካብ ብጾትካ::

ጉድ እኮ ኢና ክንሰምዕ
ዓገብ ንዝበሎ ዘጥፍእ ዝበልዕ
ምልኪ ንምዕቃብ ብሃገር ዝጣላዕ
ክንዲ ዝስተር መሊሱ ይቕላዕ
ንብዓት ሓርገጽ ዘይፈልጥ ሪኢናዮ ክነብዕ::

ናቱስ ከኣ ደሓን ንስልጣኑ
ገደደ ናይቶም ንዕኡ ዝኣምኑ
ዝበሎም ክገብሩ ማይ ዝሓቕኑ
ናብ ዘይሰምዖም ደብሪ ዝደኑ::

ሓባል መጠመቲኣ ከም ትኩሓል
ዝጸቕጠካ እምኒ ንምንታይ ትፍንቕል
ትማሊ ከይዘራእካ ሎሚ ክትጉልጉል
ፍረ ትምክሕትኻ ሃየ በል ተቐበል::

ኻልድ ዓብዱ
ዮንሾቢንግ, ስዊድን
06/09/2007

No comments: