Saturday, January 14, 2006

ሰውራዊ ተዘኩሮታተይ ምስ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኣል


By ሙሓመድ ብርሃን ብላታ
Jan 13, 2006, 16:29 PST





ሓርበኛ ኣይነብርን እዩ:ታሪኹ እዪ ዝነብር::
ኣቐዲመ ንኹሎም እቶም ሃንደበታዊ ሞት ብጻይና ስዩም ዑቕባሚካኤል ሰሚዖም መሪር ሓዘኖም ንምግላጽ ብኢንትርነት ይኹን ጽሑፋት ብምልኣኽ:ኣብታ ናይ መወዳእታ ካብዛ ግዜያዊት ዓለምና ንምፍናው ዝተገብረ ስነስርዓት ቀብሪ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ብኣካል ተረኺቦም መሪር ሓዘኖም ንምግላጽ ጥራሕ ዘይኮነስ ቅሰኑ ስውኣትና: ቅሰን: ቅሰን ስዩም ኣሰርካ ተኸቲልና ንዝተለምካዮን ዝሓንጸጽካዮን ሃገራዊ መደባት ክንቅጽሎ ኢና: ክንዕወት ኢና ብምባል: መብጸዐኦም ዘረጋገጹ ገዳይም ተጋደልትን ሓርበኛታትን ዓብይ ምስጋና የቕርብ::
ብምቕጻል ስውእ ስዩም ሓደ ካብቶም ውሑዳት መስረትን ዓንዲ ሕቆ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤረትራ ኮይኑ: ኣወንታዊን ኣድማዕን ግደ ዝተጻወተ ብምንባሩ: ኣብ ምጅማር ዚ መስርሕ እዚ ምስ ብጾት ስዩም ዑቕባ ሚካኤልን ወልደዳዊት ተመስገንን ተራኺብና ሓባራዊ መደባት ሓንጺጽና ዘይሕለል ነዊሕ ጉዕዞና ክንጅምር ዕድል ዝረኸብኩ ብምዃነይ: ዓብይ ኩርዓትን ሓበንን ይስማዓኒ::
ብጾት ስዩም ዑቕባሚካኤልን ወለደዳዊትን ነቲ ኣብ ይኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቶም ናይ ምቕጻል ዕድል ረኺቦሞ ዝነበሩ ገዲፎም:ብልዑል ሃገራዊን ሰውራውን ስምዒታቶም ኣብቲ ዛጊት ተጀሚሩ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤረትራ ኣወንታዉን ኣድማዕን ግደና ክንጻወት ንኽእል ኢና ብዝብል ሰውራዊ ሕልና ሒዞም ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ብጎንደርን መተማን ዳሓር ብገዳርፍ ሱዳን ኣቢሎም ኣብ ወርሒ የካቲት ናይ 1965 ዓ.ን.ፈ ኣብ ከሰላ ክኣትዉ ከለዉ ምስ ቤት ጽሕፈት ውዱብ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ተራኺቦም ብኡ ንብኡ ምስ ብዙሓት ኤረትራውያን ኣኼባታት እናካየዱ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ከምዝጀመሩ ይፍለጥ::
ኣብ ወርሒ ምያዝያን ጉንበትን ናይ 1965 ንሕሉፍ ተመክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ንምግምጋምን ብሓዲሽ ኣገባብ ዳግመ ስርርዕ ምክያድን ዝዕላምኡ:ኣባላት ላዕላዋይ ባይቶን መራሕቲ ሓይልታትን ናይ ሓባር ሰፊሕ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ዝሻባሸብሉ ዝነበሩ ግዜ:ብጾት ስዩምን ወልደዳዊትን ኣብ ክውንነት ሕብረተሰብ ኤረትራን ናይቲ እዋን እቲ:ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዝተሞርከሰ ኣብ መጻኢ ጉዕዞ ቃልሲ ዕዉት መታን ክኸዉን በየናይ ዝሓሸ ኣገባብ ክኸይድ ከምዘለዎ ዝእምት ሰፊሕ መጽናዕቲ ናብ ላዕለዋይ ባይቶ ብምቕራቦም ኣገዳስን መሳጥን ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ: ኣብቲ ግዜ እቲ ተደላይነቶም ተራእዩ ኣብ ቃልሲ ግዴኦም ዓቢ ክኸዉን ይኽእል እዩ ኢሉ ተባሂሉ:ግምት እዉን ስለ ዝተዋህቦም:ኣብቲ ብመራሕቲ ሰውራ ዝተኻየደ ኣኼባ: ኤረትራ ናብ ኣርባዕተ ምምሕዳራዊ ክፍልታት ክትከፋፈል ከላ: ሳልስይቲ ክፍሊ ሓማሰን:ሰራየ:ኣኮሎጉዛይን:ዘጠቓልል ኮይኑ:ዓብደልከሪም ኣሕመድ ወታሃደራዊ መራሒ :ሓምድ ጅምዕ ምኽትሉ ክኾኑ እንከለዉ: ስዩም ዑቕባሚካኤል ፖለቲካዊ ኮሚሺነር: ሙሓመድ ብርሃን ብላታ ምኽትሉ ከምዝኾና ብኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ተገልጸልና::ብኡ ንብኡ ንኽፍልና ዝምልከት ናይ ወታሃደራውን ፖለቲካውን ናይ ክፍልና ሓለፍቲ ሓባራዊ ኣኼባታት ከነካይድ ከምዝጀመርና ይፍለጥ::
ወልደዳዊት ተመስገን ኣብታ ኣብ ከሰላ ዝመደበራ ሰውራዊት መሪሕነት ከም ካላኣይ ጸሓፊ ክኸዉን ተወሲኑ ብምንባሩ:ኣብ እነካይዶ ኣኼባታት ይሳተፍ ከምዝነበረ ይፍለጥ::
ዝሓንጸጽናዮን ዝተሰማማዕናሉን መደባት ንምትግባር ቀዳማይ ጉዕዞና ኣብ ከተማታት ከበሳ ኬድና ነቲ ስዩምን ወልደዳዊትን ምስ ካለኦት ብጾቶም ኣብ ኣስመራን ካለኦት ከተማታትን ጀሚሮሞ ዝነበሩ ናይ ተማሃሮ ምስጢራዊ ስርርዕ ብሓደ ወገን :በቲ ካልእ ነቲ ኣነን ሓው ሙሓመድ ኢስማዒል ዓብዱን ሓደ ካብቶም ኣብ ምምስራትን ምውዳብን ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ከምኡ እውን ኣባል ኣብ ከሰላ ዝመደበራ ሰውራዊት መሪሕነት ዝነበረ: ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ናይ ኤረትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን ዝኾነ: ነቲ ክልተና ኣቐዲምና ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 1965 ብላዕለዋይ ባይቶ ዝተዋህበና ናይ ከተማታት መደብ ስራሕ ንኤረትራ ኣቲና ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዝወሰደ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ስርርዕ ኣዕቢናን ኣሓይልናን ጸብጻብና ናብ ላዕለዋይ ባይቶ ኣቕሪብና ስለ ዝነበርና:ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ኣነን ስዩምን ወልደዳዊትን ሓዲሽ መደብ ስራሕ ሒዝና ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ 1965 ዓ/ፈረንጂ ካብ ካሰላ ጉዕዞና ጀመርና::ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ መንገዲ ኣብ ከተማ ኣቑርዳት ምስ ኣተና ኣብኡ ዝነበሩ ካብቶም ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስዉእ ማሕሙድ መሓመድ ሳልሕን ስውእ ሳልሕ መሓመድ ስዒድን ተራኺብና ምስኦም ናይ ምውህሃድ ርክብ መደብ ስራሕ ድሕሪ ምክያድ: ኣነ ኣብ ኣስመራ ጸኒሐ መታን ክቕበሎም ኣቒዲመ ተበገስኩ: ንጽባሒቱ ንሶም እዉን ኣርከቡኒ::
ንሶም ብሎተሪና ተበጊሶም ስለዝነበሩ ኣብ ፎረብያ ምስ በጽሑ ስውእ መድ ብርሃን ነጋሽ ተቐቢሉ ናብቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ተኻርያቶ ዝነበረት ኣብ ገዛ ብርሃኑ ብእንዳ ኣማን ጦቓሮ ዝፍለጥ ከምጾኦም ከሎ ኣብኡ ምስ ስውእ ስራጅ ኣሕመድ ጸኒሕና ተቐበልናዮም::ግዜ ከይወሰድና ኣብ መደባት ስራሕና ምስራዕ ኣቶና::ካብ ከሰላ ልዕሊ 15 ዝኾኑ መብዛሕተኦም ክቃለሱ ዝመጹ ተማሃሮ ክታሓባበሩና ኣቐዲምና ኣእቲናዮም ስለ ዝነበርና ንደልዮም ሰባት ንምርካብ ኣየጸገመናን::ኣብቲ እዋን እቲ መብዛሕተኦም ብጾት ስዩምን ወልደዳዊትን ተማሃሮ ንዓመታዊ ዕርፍቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም ስለዝነበሩ ናይ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ኣኼባ ከነካይድ ጀመርና: ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ዝነበሩ ብወገነይ ዝዝክሮም ንምጥቃስ ወልደየሱስ ዓማር: ዓብደላ ሓሰን: ሃይለ ወልደትንሳኤ:(ድሩዕ) ኤሰያስ ኣፎርቂ: ዓብዱራሕማን ምህሪ: ገረዝጊሄር ተወልደ: ዓብደልዋሃብ ፍትዊ: ሙሴ ተስፋ ሚካኤል: ሙሓመድ ፊተራሪ ዘይኑ: ስራጅ ኣሕመድ: ተስፋይ ገብረስላሰ: ሚከኤል ጋብር:ጃዕፈር ሙሓመድ:ገረዝጊሄርን ካለኦትን ከምዝነበሩ ይፍለጥ::ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ዘካየድናዮ ዕዉት ኣኼባታት ዘይተጸበናዮ ኣብ ግምትና እውን ዘይነበረ ሓደ ምሉ ዝተባህለ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከረን መጺኡ ብመምህር ዑቕባንኪኤል ሓደ ካብቶም ሓለፍቲ ስርርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ኣብ ከረን ዝነበረ ናብ መሪሒነት ደብዳቤ ተጻሒፍሉ ናብ ከሰላ ዝመጸ ምሳይን ምስ ሙሓመድ ኢስማዒል ዓብዱን ኣብ ናይ ዜናን ኣብቲ ኣብ ወርሓት 11.12 ን ናይ 1964 ኣብ ከተማታት ሱዳን ቀዳርፍ:መደኒ:ዶማዚን ሩሰርስ:ካርቱም ንኤረትራዊያን ፖለቲካዊ ጎስጓስ ዝምልከት ዑደት ኣካዪድና ብምንባርና ካብዚ ብምብጋስ: ምሉ ምስ ኣብ ከሰላ ዝመደበራ ሰውራዊት መሪሒነት ከምተሓጋጋዚ ኮይኑ ይዋሳእ ስለ ዝነበረ ኩሉ እቲ ዝሓንጸጽናዮ መደባትና ክፈልጦ ኣየጸገሞን::ብድሕሬና ነዊሕ ከይጸነሐ ናብ ጸላኢ ኢዱ ስለ ዝሃበ: ኣብ ኣስመራ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተሰነዩ ናይ ስሮዓት ኢትዮፒያ ሰለይቲ ኣጽዒቖም ክፍትሹና ጀመሩ::ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝነበሩ ዉፉያት ስሩዓትና ምሉ ከም ዝሰለመ ኣብ ሓደጋ ከምዘለና ሓበሩና::ንሕና ግን ከይሰንበድና ካብቲ ዝነበርናዮ ገዛ ብለይቲ ናብ ኪዳነ ምህረት መንበሪ ስዉእ ስራጅ ኣሕመድ ጊዒዝና ስራሕና ብምቕጻል ዕዉት መደባትና ኣሳለጥና::እንተኾነ ካሓዲ ምሉ ኣቐዲሙ ናይ ግርማይ ዮሴፍ ሓደ ካብቶም ኣእቲናዮም ዝነበርና ተማሃሮ ምሉእ ኣድራሻኡ ወሲዱ ስለ ዝነበረ ናብ ገዝኡ ከይዱ ምስ ጸላኢ ዝኾነ ርኽክብ ከምዘይብሉ ብምምሳል ኣታሊሉ ናብቲ ቦታ ስዩምን ወልደ ዳዊትን ዝነበርዎ ገዛ መሪሑ ስለ ዘምጸኦም ብርሑቕ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ናይ ኢትዮፒያ ወታሃደራዊ ሰለይቲ ኣኽቢቦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትውዎም ዕድል ረኸቡ::
ኣነ ኣቐዲመ ናይ ስርርዕ መደባት ሒዘ ኣብ መንደፈራን ከባቢኣን ንጥፈታት ኣብ ዘካይደሉ ዝነበርኩ ግዜ እዮም ተታሒዞም::
ሓለፍቲ ስሩዓትና ከምዝተታሕዙ ምስ ፈለጡ ብቑልጡፍ ሓቤረታ ስለ ዘመሓላለፉልና ክንጥንቀቕ ኪኢልና::
ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ኩነታት ኣባላትና ብቐረባ ንምፍላጥን ምትብባዖምን:ዘፍርሕ ናይ ሓደጋ ኩነታት እንታሃልዩ እዉን ካልእ ኣማራጺ ንምርኣይ ናብ ኣስመራ ከምንኣቱ ተጌሩ:በቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ ኢትዮፒያ ዝነብሩ ስሩዓትናን ኣብ ፖሊስ ኤረትራ ዝነበሩ ላዕለዎት መኮኖናት ኣባላትናን ኩነታት ናይቶም ዝተታሕዙ ክንፈልጥ ፊቲንና: እንተኾነ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ጸትታ ኢትዮፒያ ብጽኑዕ ተታሒዞም ስለ ዝነበሩ ኣይተኻእለን::
ድሕሪ ገለ መዓልታት ኣነን ዓብደልውሃብ ፍትውን በታ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንጥቀመላ ዝነበርና ናይ ውፉያት ኣባላትና ማለት ናይ ዓብደሰላም ዓብደላ ሑሩዩን: ሕሩይ ዓብደላ ሕሩይን መኪና ብሕቡእ ናብ ከባቢ መንደፈራ ከምዘብጽሑና ተጌሩ::ካብኡ ናብቲ ክፍልና ሳልሰይቲ ክፍሊ ናይ ሓይልታት ልምምድን ዳግመ ስርርዕን ተካይደሉ ዝነበረት ቦታ ከባቢ ዓዲ ኩኩይ ባርካ ላዕላይ ብሰላም ኣብ ብጾትና ተጸንበርና::
ስዩምን ወልደ ዳዊትን ስራጅ ኣሕመድን ምስ ካለኦት ዋላ ይታኣሰሩ ነቲ ብዝላዓለ ሕልና ኣበጊሶሞ ዝነበሩ ዓበይቲ መደባትን ሰውራዊ ዕማምን በቲ ካብ ጸላኢ ዝወርዶም ዝነበረ ከቢድ ማህሰይቲን ስቓይን ከይራዓዱ ኣብ ውሽጢ ማእሰርቲ ኮይኖም ንጥፈታቶም ቀጸልዎ::
ንቡዙሓት ዱጋና: ፖሊስ እናወደቡ ምስጢራዊ መምሪሒታት እናሃቡ ብኦም ኣቢሎም እዉን ኣብ ተማሃሮ ይኹን ሰራሕተኛታት እቲ ምውዳብ ከምዝዓብን ዘስፋሕፍሕን ኮይኑ::ኣነ ምኽትል ናይ ስዩም ስለ ዝነበርኩ ከም ፖለቲካዊ ኮሚሺነር ናይ ሳልሰይቲ ክፍሊ ኮይነ ስለ ዝቐጸልኩ ነቲ ብሓባር ዝሓንጸጽናዮን ዘበገስናዮን መደባት ከይተኾልፈ ንሓቦኦምን ተፈዋይነቶምን ከምመምርሕን ኣብነትን ብምውሳድ ብጽንዓት ክንቃለስ ኣኽኢሉና እዩ::
ካብታ ዝተኣሰሩላ መወዳእታ ናይ ወርሒ ነሓሰ 1965: ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ኣብ መላእ ሃገር ብተግባር ህላውነታን ዕብየታን ናይ ምርግጋጽ ምልክት ኣብ 1975 ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ካብ ቀንዲ መደበራት ጸላኢ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራን ዓዲዃላን ብቐትሪ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ፖለትካዊያን እሱራት ከተውጹእ ምኽኣላ ብቑዕ ምስክር እዩ::
ስዩምን ወልደዳዊትን ኣብ ማእከሎም ኮይኖም ኣሎናልኪ ኤርትራ እናበሎ ምስ ዓቢ ሞራሎም ምስቶም ብመንፈስ ዘይኮነስ ብኣካል ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ተፈልየሞም ዝነበሩ ተጋደልቲ ብጾቶም ተጸንበሩ::
ኣነን ብጻይ ሕሩይ ተላባይሩን ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ ስለ ዝነበርና ብመሪሕነት ደረጃ ኣብ ከባቢ ዓዲ ንኣምን ክንቅብሎም ከለና ናይታ ሰዓት እቲኣ ተረኽቦ ኣብ ኣእምሮይን ህዋሳተይን እንዳዘንበየ ክሳብ ሕጂ ኣይክወለንን::
ስዩም ድሕሪ ናይ 41 ዓመት ዘካየዶ ዕቱብ ቃልሲ ክስዋእ ከሎ ኣነ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ኣብ መንጎ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ሽድሽተ ደቁን ካለኦት ገዳይም ተጋደልቲ ብጾተይ ብዓሚቕ ሓዘን ከነፋንዉ ከለና ንሰውራዊ ተዘክሮታተይ ኣበራበሮ::
ስዩም ምስቶም ብኣማእታት ኣሻሓት ዝኸፈልናዮም ጀጋኑ ስውኣትና:ሓንትን ናይ ዘልኣለም ትምኒቶምን ሕድሮምን ልኡላውነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ኣብ ኤርትራ ሓቀኛ ደሞክራሲን ማሕበራዊ ፍትሕን: ህዝቢ ብድልየቱ ዝተቐበሎ ብቅዋማዊ ስርዓት እትማሓደር ሓዳሽ ኢርትራ ንምትካል እዩ ኔሩ::ካብዚ ሓቅታት ዚ ብምብጋስ ነዚ ንሃገርና ዘንጸላልዋ ዘሎ ናይ ምፍትታን ሓደጋ ግምት ብምሃብ ታሪኻዊ ሓላፍነትና ፈሊጥና ንድሕነት ሃገር ክንሰርሕ ይጽውዕ::
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና:
ደሞክራሲያዉን ቅዋማዉን ስርዓት ንምትካል:
ከይታሓለልና ክንቃልስ ኢና::

No comments: