Sunday, February 26, 2006

ሕጂኸ እንታይ ይገበር!!!!

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዚ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዝቐነየ ኣኼባ በዓል ስልጣን ህግደፍ ኣልኣሚን መሐመድስዒድ ዩኣልኣሚን ኣብዚ ናብ ህዝቢ ዝገበሮ ኣኼባ ከም ወኪል እቲ ኣረሚናዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይኮነ ከም ወኪል ቅንጅት ናይ ኢትዩጵያን ናይ ሱዳን ተቓወምቲን ኩይኑ እዩ ኣምሲዩ..ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ዶ ክንብሎ ወላ ባዶ ጃህራ ንልዕሊ 2 ሰዓታትን ፈረቓን ብዛዕባ ቅንጅት ተበዲልናዮ ዝብልዎ በደልን ነቲ ዝበደሎም መንግስቲ ኢህወደግ ኸኣ ስራት ህግደፍ ብኸመይ ከምዝቕጽዑ ካብ ቓል ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ከምቲ ናብ ስልጣን ዘምጻኽሞም እስኹም ኢኹም ተልዕልዎም ትኽእሉ ኢሎም ቅንጅት ስለዝመጹናን ንሕና ኸኣ ሓባራዊ ረብሓና እምበር ካልእ ስለዘየገድሰና ነቲ መዓልቱ ዝቖጽር ዘሎ ስርዓት ኣሊና ቅንጅት መሪሕነት ከምዝሕዙ ክንገብር ኢና ብዝብል ስዲ ሕልሚ ዘይሚዛናዊ ገምጋም ዶ ክንብሎ ወላ ህውተታ ኣብታ ንበይኑ ዝነብረላ ዓለም ጥራሕ ዝሰርሕ ሎጂክ ብምቕራብ ነዚ ንምትግባር ናይ ዝኽፈል ኤርትራዊ ደም ኣብ ግምት ብዘይምእታው ጊዑሩ ኣሎ ሳዕቤኑ ኸኣ ብሓባር ክንርእዩ ኢናካብቲ ንልዕሊ 3 ሰዓታት ዝኸደ ኣኼባ ተጾሚቐን ፍርቂ ሰዓት ዘኮነ ጊዜ ጥራሕ ብዛዕባ ኤርትራ ምዝራቡን ከምኡ እውን ነቲ ግፍዓዊ ኣማራራሓ ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ ኣፍደገ ብሰለማዊ ኣገባብ ተቓውምኡ ዘስምዕ ዝነበረ ሓርበኛ ህዝብና በቲ ግዕዘይ መልሓሱ እዞም ኣኻልብ ክብል ክትሰምዖ ከለኻ ነቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ጊዜ ምውዳቑ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ብዕሉግ ቃላት እንተስ ናብ ትግርኛ እንተስ ናብ ዓረብ ተርጉሙ ነቶም ክቡር ማህጸን ጀጋኑ ኣዴታትና ዝወለዶም የሕዋት ክዝልፎም ኣምስዩ ግን ሕሱር ማዕረ ነብሱ የሕስረካ ዩ ነገሩ.እስኹምስ ከኣ ሃገር ክትመርሑ!!!ካብ ኩሉ እቲ ዘስደምም ግን እቲ ኣብ ህቶን መልስን ዝሰዓበዩ3 ሰዓታት ዝለፍለፈት መልሓስ ኣልኣሚን ልዕሊ 5 ሕቶታት ክትምልስ ድልውቲ ዘይምኻናዩ.እቶም ሓተትቲ ንኽሓትዎ ዝተዋህቦም ሕቶታት ከጠፍኦም ዝሸምደድዎ ከመስሉ ኣካል ናይቲ ድሩስ ተዋስኦ ኮይኖም ግቡእ ገጸባህርያዊ ተርኦም ተዋሲኦም. ግን ማሸላ ዘሪእካ ስርናይ ስለዘይቦቅል ካብቲ ግዕዘይ መልሓስ ኣልኣሚን ዝተዋህበ መልሲ ወላውን ነቲ ጌጋታት ስርዓት ህግደፍ እንዳፈለጠ ዘስቀጠ ህዝቢዩ ጸቂጥዎ.ኣልኣሚን ንሓንቲ ካብተን ሕቶታት ንጠቅስኣብ ሃገርና ወለዲ ይእሰሩ ኣለው ንሰምዕ ኣለና ኣዚ ሓቂድዩ ንዝብል ሕቶነዛ ሕቶ እዚኣ ክትሕተት ዝፈቐዱ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ሰማዒ ራዕዲ ከእቱውሉን ንኣሽቱ የሕዋቱ ካብ ሃገር እንተወጺኡ ንወለዱ ማእሰርቲ ከስዕበሎም ምኻኑ ንምንጋርዩ ኔሩ.በቲ ግናይ እምበር ጥዑም ምዝራብ ዘይለመደ ልሳን ኣልኣሚን ዝወጸ ቃላት ግን ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ሰማዒ ከኣ ኣን ናይ ጭንቀት ባሕሪ ከምዝጥሕል ጥራሕዩ ጌርዎ እሱ ክምለስ ከሎ ብዘይሕፍረት እወ ኣሲርና ኣለና ክንእሰር ኢናውን ኢሉ እዚስ ምስ ምንታይ ይቑጸር ወለድና ክንዲ ብጹሕ ውላድካ ኣይትምሓል ክብሉ ከለዎ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ንኹሉ ንቡር ኣተሓሳስባ ዘለዎ ዜጋ ብሩህዩ እዚኦም ግን ብገለ እዩም መጺኦሙና ሕልንኦም ዝሸጡ ክብረት መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲ ሙሁራት ተማሃሮ ደቂ ኣንስትዩ ሓረስቶትን ህጻናትን ኣዴታትን ዝጋሃሱ ሰባት ስለዝኹነ ድሕር ሕጂ ዝኸፍኣ ጥራሕ ክገብሩ ምኻኖም ብሩህዩ.ኣብዚ ከይጠቐስናዩ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ነገር እንተሃለወ ናይቶም ትሕዝቶ ዘረባ ከይተረድኡ ዘጣቕዑ ዝነበሩ መዳምቕቲዩ ኣብ ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ኣኼባታት ጣቕዒት ንባዕሉ ከም ሓደ ኣጀንዳ ድዩ ኣትዩ ኢልካ ስጋብ ትጠራጠርዩም ዘጣቕዑ ኔሮም ሎሚ ግን!!!እወ ሎሚ ግን ዝለበሙ ይመስለኒ ነታ መዓልትን ለይትን ከነብርሃ ንጽዕረላ ዝነበርና ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ካብ ኣፍ እቲ ጉዕዙይ ጛሽኡም ምስ ሰምዕዎ ከየጣቕዑ ሱቕ ምባሎም ኣብ ህግደፋዊ ዓለም ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ኣብ መስርሕ ምቅዋም ስለዝኾነ ድሕሪ ሕጂ እንታይ ንጽበ ንብሎም.ከምወዩ ዝብሃል ሓደሰብ ርእስኻ የላን እንተኢሉካ ሸለል በሎ 2 ሰባት ርእስኻ የላን እንተኢሎሙኻ ሃሰስ በላ ሰለስተ ሰባት የላን እንተኢሎምኻ ግን እመኖምዩሞ እቲ ናይ ሃገርና ሽግር ከኣ ብወለድኹም,ብየሕዋትኩም ብደቂ ሃገርኩም ተነጊርኩም ሸለልን ሃሰስን ክትብሉ ጸኒሕኩም ሕጂ ግን ካብቲ ዓንዴል መልሓስ ኣልኣሚን ሰሚዕክሞ ኣለኹም!!!

እሞ ኸ ደኣ ሕጂ እንታይ ይገበር!!!!

No comments: