Wednesday, December 14, 2005

ስርዓት ህግደፍ ንቡዙሓት ዜጋታት ይኣስር::ስርዓት ህግደፍ ፈተነ ቕትለት ኣብ ልዕሊ ዲክታቶር ኢሰያስ ፈቲኖም ብምባል ንቡዙሓት ዜጋታትይኣስር ከምዘሎ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ሓበሬታ የረጋግጽ:: ካብዞም ኣብ ቀረባ ጌዜ ዝተኣስሩ ሰባት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም::
1.ዑስማን ጅምዕ ጃዊድ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣቡዘቢ ነበር

2.ማሕሙድ ኪዳን ቆንስል ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮፓ ዝነበረ

3.ኢድሪስ መሓመድ ዓሊ ህቡብ ድምጻዊ

4.ጅምዕ ስዒድ ከሚል ጋዜጠኛ ኤርትራ ኣልሓዲሳ

5.መሓመድ ኣደም ሸልሸል ጋዜጠኛ ኤርትራ ኣልሓዲሳ

6.ሰላሕ ቀርየንት ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ኤርትራ

7.መሓመድ ጅምዕ ኣረይ ሓላፊ ፖሊስ ኤርትራ

No comments: