Saturday, December 03, 2005

ስርዓት ህግደፍ መንእሰያት ካብ ፖርትሱዳን ይጬውይ

ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ግፍዓዊ ኣታሓሕዝኡ ኣምሊጦም ናብ ፖርት ሱዳን ዝኣተው መንእሰያት ናብ ካርቱም ከነብጻሓኩም ብምባል ንዝተወሰኑ መንእሰያት ጬውዩ ናብ ኤርትራ ከምዝወሰዶም ካብቲ ቦታ ዝመጹ ሓበሪታታት የረጋግጹ:: እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ጌዚ እዚ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ ምኽፋት ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ዝዛረብ ዘሎ ነቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ምውሓዝ መንእሰያት ንምግታእን ንምቁጽጻሩ ክጥዕሞን ደኣ እምበር እቶም ቐንዲ ፖሎቲካዊ ጠንቕታት ምስሕሓብ ዝኾኑ ጉዳያት መሰረታዊ ለውጢ ስለዝገበረ ከምዘይኮነ ተንተንቲ ፖሎቲካ እቲ ዞባ ይሕብሩ:: እግረመንገድና ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ፖርትሱዳንን ከሰላን ዝርከቡ ናብ ካርቱም ንምስጋር ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት ካብ መፈንጥራ ናይቲ ስርዓት ክጥንቀቑ ንጽውዕ::

No comments: