Thursday, December 22, 2005

”Alenalki.com ብዛዕባይ ዝጸሓፍዎ ቃለ-መጠይቕ ውጹእ ሓሶት’ዩ” ጋዜጠኛ ስምረት ስዩም



ክሳብ ሕጂ ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝወጽእ ብጸቕጢ ይኹን ብፍታወይ ዝገበርክዎ ቃለ-መጠይቕ ከምዘየለ ከረጋግጽ ይፈቱ::

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበርኩሉ ጌዜ ግን ኣባላት ናይ http://www.alenalki.com/http://www.bidho.com/ ን ካልኦትን ክሳብ 7-8 ዝኹኑ ሰባት: ገለ ካብኣቶም ደሳለ ካብ ሽወደን ክብሮም ካብ ጀርመን ኤልያስ ኣማረ ካብ ኣስመራን ካልኦት ኣስማቶም ዘይዘከርክዎምን ብተደጋጋሚ ጌዜ:

1. ቃለመጠይቕ ክገብር
2. ሪፖርተር ክኾነሎም
3. ይቕሬታ ክሓትት
4. ጋዜጣታት ዓበይቲ ጌጋታት ከምዝፈጸማ ክኣምን
5. ጋዜጠኛታት ጌጋታት ከምዝፈጸሙ ክውንጅል
6. ጉጅለ 15 ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምሳና ርክብ ከምዝነበሮምን ጉጉያት ምኻኖምን ክኹንን:
ዝብል ርእይቶታትን ሓሳባትን ዝትሕዝትኡ ዘረባታት የቕርቡለይ ከምዝነበሩ ይዝክር::

ንቃለ-መጠይቕ ይኹን ንኻልእ ፍቓደኛ ከምዘይኩንኩውን ብንጹር ሓቢረዮም እየ::
ብመልሰይ ስለዘይዓገቡ ድማ እዮም ምሳይ ቃለ መጠይቕ ከምዝገበሩ ኣምሲሎም ዘውጽእዎ ዘለው::

ዕላማ ናዚ ጽሑፍዚ ድማ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ ስመይ ንምጽላምን ንምዕጻው ጋዜጣታትን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ሙኽኑይ ጌርካ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ንምርካብ እዩ:: እዚ ድማ ናይ ዓቕሊ ጽበት ከንቱ ፈተነ እዩ::

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንበይነይ ኣብ ሸላ የእዳወይ ብፌሮ ተኣሲረ ከሎኹ ተጋጊና ዘይበልኩስ ነጻ ምስ ወጻኹ ተጋጊና ዘብል ዝኮነ ምኽንያት የብለይን::

ንኹሉ ሰብ ብሩህ ክኸውን ድማ መርገጺየይ ብዛዕባ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን እዚ ዝስዕብ እዩ:

1 ኩሉ ጌዜ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ከነታት ጋዜጣታት ክህለዋ ኣለወን ዝብል ተሪር መርገጺ ኣለኒ
2 ጋዜጠኛታት ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም: ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክሳብ ዘይበሎም ነጻ ሰባት ሙኻኖም ከምዝኣምን ንኹሉሰብ ከብርህ ይፈቱ::

ኣብ መወዳእታ እዚ ዘለኽዎ ሃገር ሕጋውን ዲሞክራሲያውን ነጻን ስለዝኾነ ነዚ ብዛዕባይ ኣውጺኦሞ ዘለው ናይ ጸለመ-ጽሑፍ ኣብ ዝቕጽል ቀረባ መዓልታት ብሕጋዊ መንገዲ ክተሓሓዞም’የ::

ስምረት ስዩም
21 ታሕሳስ 2005
ሽወደን

ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ክትረኽቡኒ ትኽእሉ
semret_2006@yahoo.com

ንዝያዳ መወከሲ ናብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ጠውቑ::
http://www.alenalki.com/index.php?option=com_content&task=view&id=1450&Itemid=2

No comments: