Thursday, December 01, 2005

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ምግፋፍ ይቕጽሎ'ሎ

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ሓድሽ ናይ ግፋ ማዕበል ጀሚሩ ከምዝቐነየ ካብ ኣስመራ ዝወጹ ሓበሬታታት የረጋግጹ:: እዚ ናይ ግፋ ማዕበል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ሁመት ገለገለ ተጣይሶም ዝነበሩ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ካብ ኤርትራ ንኽወጹ ናይ መውጽኢ ፍቓድ (exit visa) ክወሃቦም ስለዝተፈቕደ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ኤርትራ ብናይ መውጽኢ ፍቓድ ዝሓቱ ሰባት ከምዘዕለቕለቐ ተፈሊጡ:: ብዙሓት ዝተጣየሱ ኤርትራውያን እዚ ስርዓት ሕጂ ፈቕድዎ ዘሎ ነገር ድሕሪ ሓጺር እዋን ከቓርጾ ስለዝኽእል ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቓ ናይ ቱሪስት ቪዛ ብምውሳድ ተቓላጢፍካ ካብ ሃገር ምውጻእ ዝበለጸ ኣማራጺ እዩ ብዝብል ርድኢት ብብዝሒ ክወጹ ከምዝጀመሩ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም ኣለው::

No comments: