Tuesday, December 20, 2005

ህግደፍ ህጻናት ኣቖልዑት ናብ ሳዋ ይወስድ!

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ትሕቲ ዕድመ ኣቖልዑት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ ንኸተማ ረቢሾም ብዝብል ምስምስ ናብ መዓስከር ሳዋ ከምዝወሰዶም ካብ ኣስመራ ዝተረኽበ ዜና ይሕብር.
እዞም ቖልዑት ብብዝሒ ተማሃሮ ዝርከብዎም ክነሶም ብጎልባብ ናይ ከተማ ጸጥታ ዘሪጎም ብምባል ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኣጎናዲቡ ናብ እቲ ዘይረዊ ጽምኣቱ ናይ ወተሃደራዊ ምልመላ ከምዘወሰዶምን ወለዲ እዞም ቖልዑት እውን ኣመት ደቖም ንምፍላጥ ናብ እካላት መንግስቲ ይመላለሱ ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ.

No comments: